መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለው ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ኣየርላንድ እቶም ኣርባዕተ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣዚዙ።

ማዕኸናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ከም ዝጸብጸብኦ፡ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር ከም ዝተሰጎጉን ኣብ ውሽጢ ሰሙን ክወጽኡ ከም ዝተወሰነን ሓቢረን።

መንግስቲ ኣየርላንድ ነዚ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ሃገሩ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኢትዮጵያ ብዘለዋ መርገጺ ዲፕሎማታ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰጎጉ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም ኣርባዕተ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዕድል ተዋሂቡዎም ኣሎ ኢሉ።

እቲ ኣምባሳደርን ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ኤምባስን ግን ክጸንሑ ተፈቒዱሎም።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሲሞን ኮቬኒ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ኣየርላንድ ኣብቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ጎንጽን ሚሊዮናት ተጸበይቲ ረድኤት ዝገበረ ሰብኣዊ ቅልውላውን ብዝምልከት ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ብዘለዋ መርገጺ” ከም ዝኾነ ካብ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ መብርሂ ከም ዝተዋህቦም ሓቢሩ።

እንተኾነ ኣየርላንድ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መድረኻትን እተንጸባርቖ መርገጺ “ምስቲ ቤት ምኽርን ሕብረት ኤውሮጳን ዝሰማማዕ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ውሳነ ከም ዘሕዘኖ’ውን ብምግላጽ እቲ ኤምባሲ ግን ክፉት ኮይኑ ከም ዝጸንሕ ሓቢሩ።

ኣየርላንድ ካብ 1994 ጀሚራ ኣብታ ሃገር ኤምባሲ ክትኸፍት እንከላ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ዘይኮነ መንበር ኣለዋ።

እቲ ኤምባሲ ድማ ኣየርላንድ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ንዘለዋ ርክብ ይከታተል።

እታ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ግዚያዊ ዝኾነ መንበር ዘለዋ ኣየርላንድ ነቲ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብኽልቲኡ ወገናት ዝፍጸም ግህሰታት ኣብ ምኹናን ዋና እያ ኮይና ጸኒሓ።

ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ክስጎጉ እንከለው ሓሙሽተ ኣብ ቀይዲ ይርከቡ።

ክሳብ ሕጂ ንማእሰርቶም ብዝምልከት ዝተዋህበ ምኽንያት የለን።

እዚ ድሕሪ እቲ ኢንግሊዝን ኣመሪካን ሓዊሱ ዜጋታትን ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዘቕርብኦ ዘለዋ መጠንቀቕታ ዝመጽአ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ምህላዎም ይግለጽ።

እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ይግስግሱ ምህላዎም ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ 200 ኪሎ ሜትር ርሒቖም ምህላዎም ይሕብሩ። መንግስቲ ግን ነዚ ይነጽጎ።

መንግስቲ ቀደማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሃገሩ ደጋዊ ጸቕጥን ምትእትታው ሃገራት ምዕራብን ከም ዝበዝሓን ዝተዋደደ ጎስጓስ ሚዲያታት ይካየደላ ከም ዘሎን ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ዲያስፖራ ተቐማጦ ኣመሪካን ከተማታት ኤውሮጳን ንመንግስቲ ዘለዎም ድጋፍ ዝገልጽሉ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣካይዶም ነይሮም።

BBChttp://BBC

Share.

Leave A Reply