ኣብቲ ክልል ካብ 18 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኮይኑ እዚ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝተፈቕደ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ምዃኑ እቲ ትካል ሓቢሩ።

እዘን መካይን ነዳድን መድሃኒትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ቀረባት ጽዒነን ኣብ ሰመራ ፍቓድ ሰብ መዚ ክጽበያ ዝጸንሓ እየን።

ምኽትል ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፋርሃን ሃቅ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት እናገደደ ኣብ ዝመጽአሉ እዋን ናብቲ ክልል ረድኤት ዝሓልፈሉ ስሩዕ መገዲ ክህሉ ኣገዳሲ’ዩ” ኢሉ።

ኣብቲ ክልል ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮ ብምግላጽ ነዚ ተበጻሒ ንምግባር ሰሙናዊ 500 ዝተፈለላዩ ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይና ክኣትዋ ከም ዘለወን ትካላት ረድኤት ክገልጻ ጸኒሐን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድም ኢሉ ብ22 ጥቅምቲ ናብ መቐለ ዝተጉዓዘት ነፋሪት እቲ ውድብ ምዕላብ ስኢና ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምላሳ ናብ ትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ደው ክብል ከም ዝገበረ ሓቢሩ ነይሩ።

ትማሊ እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራ ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ውድብ: ናብ ንቡር ከም ዝተመልሰ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለው ሰራሕተኛታቶም ከንቀሳቕሱን ውሱን መንቀሳቐሲ ገንዘብ ከእትውን ከም ዝኽኣሉ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር “ኣብ ባይታ ዘለው መዳርግቲ ኣካላት ስራሕቶም ንምውጋን ሕጽረት ገንዘብ ይድርቶም ኣሎ” ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይስራሕ’ኳ እንተሃለወ ሕጂ’ውን እቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኮምቦልቻ ዝርከብ መኽዘኑ ከምዝተዘምተ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝምታ መዓስን ብመንን ከምዝተፈጸመ ዝገለጾ ነገር የለን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣምሓራ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ልዕሊ 450 ሽሕ ሰባት ተበጻሕቲ ዝኾኑሉ ምብጻሕ ረድኤት ከም ዝተጀመረ ፋርሃን ሃቅ ገሊጹ።

ቅልውላው ኢትዮጵያ

እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓኹ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ኣሽሓት ሰባት ከምዝኾነ ይግለጽ።

ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ዝርከቡ ልዕሊ ሽድሽተ ሚሊየን ሰባት ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮም እንትግለጽ፡ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኩሎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም ይርከቡ።

ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከባቢ ሸዋ ሮቢት ይካየድ ከም ዘሎን ብዝተፈላለዩ ግንባራት ውግእ ከም ዝቐጸለን ጸብጻባት ይገልጹ።

ሃገራት ምዕራብን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ጠጠው ብምባል ኣፈላላዮም ብዘተ ንክፈትሑ ብተደጋጋሚ ይሓትቱ ኣለዉ።

ኣመሪካ ተጻብኦታት ጠጠው ክብሉ ኣለዎም ካብ ምባል ሓሊፋ ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ’ዮም ወይ’ውን እቲ ኲናት ንክናዋሕ ምኽንያት ኮይኖም’ዮም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብመዚ ኤርትራን እገዳ ከም ዝገበረት ይዝከር።

ብተወሳኺ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ኢትዮጵያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ምኽንያት ብምግባር ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓ ካብ እትረኽበሉ ስምምዕ ንግዲ ኣጎዋ ክትእገድ ወሲና እያ።

እዚ ኲናት ጠጠው ንምባል ኣመሪካ ምስ ኬንያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆን ካልኦት ሃገራትን ብቐረባት ትሰርሕ ምህላዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ምብጻሕ ዝገበረ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሩ ነይሩ።

ብፍላይ ነዚ ኣመልኪቱ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኦሌሶጎን ኦባሳንጆ ብምዃን፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ኲናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ክብሉ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ዘለው ሚልዮናት ህይወቶም ንምድሓን ረድኤት ክበጽሕ ክመቻቾን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ተበጻሕቲ ክኾኑን ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ኲናት ተገዲደ ዝኣተኹዎ’ዩ ክብል ጸኒሑ።

ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ንምኽፋትን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ዝርከቡ ግዝኣታት ትግራይ ሓራ ንምውፃዕ ይዋግኡ ከምዘለዉ’ዮም ዝገልፁ።

ሃገራት ምዕራብ ግን እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዝኾነ ገደብ ንክበጽሕ ክፍቀድን ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ።

መንግስቲ ብወገኑ እዘን ሃገራት ንህወሓት ድጋፍ ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ክልውጣ ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ ክብል ይኸስስ።

ህወሓት ብመንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መዝገብ ሽበራ ዝሰፈረ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝግበር ኲናት ንክድግፍን ክዘምትን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ይርከብ።

ዉደብ ሕቡራት ሃገራትhttp://ዉደብ ሕቡራት ሃገራት

Share.

Leave A Reply