ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስዊድን ሒደት ሰዓታት ድሕሪ ምሻማ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ማግዳሌና ኣንደርሰን ትማሊ ሮቡዕ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይና እኳ እንተተሸመት፡ ብልፍንቲ መንግስቲ ክምስርት ዝግብኦ ሰልፊ ካብቲ ልፍንቲ ምስ ወጽአን ዘቕረበቶ ባጀት ከይጸደቐ ምስ ተረፈን ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ኣብ ክንድኡ፡ ባይቶ እታ ሃገር ኣንጻር ስደተኛታት ዝኾነ ሕሉፍ የማናዊ ተቓዋሚ ሰልፊ ዘቕረቦ ባጀት ኣጽዲቑ።

“ካብ መዝነተይ ክወርድ ከም ዝደሊ ነቲ ኣፈ ጉባኤ ነጊረዮ” ትብል ኣንደርሰን።

ብልፍንቲ መንግስቲ መስሪቱ ዝነበረ ግሪን ፓርቲ ንመጀመርታ እዋን “ብሕሉፍ የማናዊ ዝወጽአ ባጀት” ኣይቕበልን ኢሉ።

ሰልፊ ማግዳሌና ሶሻል ዴሞክራሲ ብወገኑ “ብልፍንቲ መንግስቲ ካብ ዝመስረቱ ሰልፊታት እቲ ሓደ እንተድኣ ኣንሳሒቡ እቲ መላፍንቲ’ውን ክወርድ ኣለዎ ዝብል ሕገ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ኣሎ። ስለዚ ሕጋውነቱ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ መንግስቲ ክመርሕ ኣይደልን” ክብል ኣብቲ ብሮቡዕ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ስዊድን ብወገኑ ኣብ ቐጻሊ ንመራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ከም ዘዘራርቦም ሓቢሩ።

ማግዳሌና ኣንደርሰን ድማ ኣብ ካልእ እዋን ንብሕታ ናይ ባዕላ ሰልፊ ሒዛ ዳግም ቐዳመይቲ ሚኒስተር ንምዃን ከም እትወዳደር ገሊጻ።

ጓል 54 ዓመት ኣንደርሰን፡ ድሕሪ 100 ዓመት ድምጺ ዝረኸበት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ክትከውን እንከላ፡ ካብ 349 ኣባላት ባይቶ እቶም 174 ጥራይ ድምጺ ኣይሃቡዋን።

ኣብ ርእሲኡ ግን 117 ኣባላት ባይቶ ክድግፉዋ እንከለው 57 ኣየድመጹን።

ንሳ ብ1996 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣማኻሪት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ጎራን ፐርሶን ነይራ፤ ሸውዓተ ዓመት ድማ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይና መሪሓ።

ካብ ሃገራት ኖርዲክ፡ ስዊድን ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነይሩዋ ኣይፈልጥን።

BBC http://BBC

Share.

Leave A Reply