ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ቀዳማይ ረድኤት ሰነ-ልቦናዊ ሓገዝ ዝህባ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘመረቐ ዳይሬክተር ማሕበር እኖታት ንእኖታት ገባሪ ሰናይ ትካል ኣይተ ኣሸናፊ ኣስመላሽ ገሊፆም።

ማሕበር እኖታት ንእኖታት ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ቀደማይ ዙር 55 ወለንታውያን ደቂ ኣነስትዮ ከም ዘመረቐን ነቶም ዘጋጠሙ ፀገማት ድማ ሰነ-ልቦናዊ ሓገዝ ዝህባ ምዃነን ኣይተ ኣሸናፊ ኣብሪሆም።

እተን ተመረቕቲ ደቂ ኣነስትዮ ቀደማይ ድግሪ ዘለዋን ኾይነን፣ ብግዜያዊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣርባዕተ IDP ማእኸላት ኣብ ስነ-ልቦና፣ ሶሻል ወርከር፣ ኣብ ትካላት ጥዕናን ቀደማይ ረድኤት ሓገዝ ዝህባ ምዃነን ኣይተ ኣሸናፊ ተዛሪቦም።

ተመረቕቲ እቲ ስልጠና ብዝግባእ ከምዝወሰድኦን፣ህዝበን ንምግልጋል ሕጉሳት ከም ዝኾናን ንሕብረተሰብ ዝወሃብ ኹለ መዳይ ሓገዝ ንምሃብ ድማ ሙሉእ ምድላዋተን ከም ዝወገና ተሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ትካል ካብ መቐለ ወፃኢ ተወሳኺ ማእኸላት ንምኽፋት ኣብ ምድላው ከምዝርከቡ ዝሓበሩ አይተ ኣሸናፊ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ቀዳማይ ረድኤት ብምሃብ ስነ ልቦናዊ ማህሰይቲ ናብ ንቡር ንምምላስ ዓርሰ ድሌት ዘለወን ኣብ ማሕበር እኖታት ንእኖታት ሰልጢነን ህዝበን ከገልግላ ከምዝግባእ እቶም ዳይሬክተር ኣተሓሳሲቦም።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅና!
ትግራይ ትስዕር!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
15 ሕዳር2014 ዓ.ምhttp://ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ 15 ሕዳር2014 ዓ.ም

Share.

Leave A Reply